|
ጋዜጣዊ መግለጺ
ንምንጻር ግዜ ምግባእ ሃገራዊ ጉባኤ ዝምልከት
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብውሳኔ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ መሰረት ሃገራዊ ጉባኤ ዝጋብኣሉ ግዜ ኣብ መጨርሻ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ክኸውን ምውሳኑ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሉ ምድላዋትን ምቅርራባትን ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ብዙሕ ተስፋን ትጽቢትን ተግይርሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 22-31 ጥቅምቲ 2011 (22 – 31 October, 2011) ኣብ ኢትዮጵያ ክጋባእ ምውሳኑ ንኩሉ ደላይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከብስር ይፈቱ፡፡October, 04.2011, Read more
11 ግንቦት 2011 ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስዊ ለውጢ
ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክትዕ ወሪዱ.- ENCDC Addis Abeba Public Meeting About National Congress Papers (Tigringa) 11 Ginbot 2011-07-15 Read more
ፖሎቲካዊ ሽማግለ
ንፖሎቲካዊ ሰነዳት ዝምልከት ሓበሬታ.-
ብቀዳምነት ፖሎቲካዊ ሽማግለ ህዝብና ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዘርኣዮ ዓቢ ተገዳስነትን ምትሕብባርን የመስግን። ብ29/06/2011 ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንምውራድ ዝምልከት ዝተዘርግሐ ምልክታ ብምዝኽኻር፡ ጥቕሙ ንምዕማቕ ነዚ ዝስዕብ ከነረጋግጽ ንፈቱ።
- ቅድሚ ዝኾነ ሰነድ ምዝርግሑ ኣፈጻጽማ ጽማቕ በብሓደ ክዝራጋሕ’ዩ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰነድ ሓፈሻዊ ኣንፈቱ ንምንጻርን ሓጺር ስእሊ ንምሃብን ዝሕግዝ’ዩ።
- ኩሉ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ብቀዳምነት ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብድሕሪኡ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ክስዕብ’ዩ። ትዕዝብቲ ግዱሳት ዜጋታት ዝቕበለሉ ኣድራሻ ኢ-መይል ከኣ እዚ ዝስዕብ (politicalcomm10@gmail.com) ምዃኑ ነረጋግጽ።
- ኣብ መጀመርያ ሰነዳት ፖሎቲካዊ ቻርተርን መሪሕ ሓሳብን ክዝርጋሕ’ዩ።
- ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ሰነዳት ክህልዎም ዝኽእል ትዕዝብቲ ንጽሩን ኣብ ትሕዝቶ ጥራሕ ዝተሞርኮሰን ክኸውን ንምሕጸን።
- ንትርጉም ዝምልከት ምናልባት ገለ ጌጋታት ምስ ዘጋጥም ሃገራዊ ኮምሽን ንዕኡ ንምእራም ድልውነቱ እናረጋገጸ፡ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎም ኣሕዋት ምትሕብባሮም ብልቦና ክቕበል ምዃኑ የረጋግጽ።
- ነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ትዕዝብትን ክህብ ዝደሊ ዜጋ፡ ሓሳብ ወትሩ ሓላፍነትን ሓደራን ክሳብ ዝኾነ ብቀጥታ ምእንቲ ርኽብ ንምግባርን ካብ ዓቕምታቱ ንምጥቓምን ምሉእ ስሙን ንጹር ኣድራሽኡን ቁጽሪ ስልኩን ክጽሕፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሕብር።
- ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኩሉ ዝመጾ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብድሕሪ ምግምጋም፡ ንምምዕባል ንድፊ ሰነዳት ክጥቐመሎም ምዃኑ ይሕብር።
ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ናብ ኣድማዒ ፍታሕ ንምብጻሕ ሓቀኛ ድሌትን ባህግን ምስ ዝህሉ ወትሩ ሓሳብ ንሓሳብ ምስንናቕ ናብ ብሱል ዓይነታዊ ትሕዝቶ ዘብጽሕን ንሃገራዊ ዕዮ ንቅድሚ ዝደፋእን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ድማ ነረጋግጽ።
ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ዓሊ መሓመድ ስዒድ
ኣቦ መንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
07/04/2011
www.encdc.com
|