The Kunama is a minority ethnic-group living in the western part of Eritrea.This page exposes the unjust and discriminatory activities of the Eritrean government. It also participates in the political dialogues in Eritrea.

Welcome to  BADEN - Kunama.Com

  Home / Arabic / Tigringa / Feedback

Home
Land
Language
Customs
Beliefs
Folklore
Perspective
Genocide
Report
Information
News
KCS
kpdp
Opinion
Music
Contact
Announcements
Articles
Links

 

All the forces waging wars of „Genocide” against the Kunama people ,aim at disrupting and destroying the Kunama people’s traditional “ethnic identification marks,” their “egalitarian social system” and their traditional system of “commonly owning and administering their native and ancestral land”:


 

 

 

ዝተፈተኻ ህዝቢ ኩናማ.- ብዙሓት ደገፍቲ ተደናገጽቲ ሰብ ፍትሒ መሓዙት ናይ ህዝቢ ኩናማ ክምዘለዉ ኣይትረስዑ፣ ኣብ ጎንኹም ኣብ ታሪኽኩም ኣለና። ኣጆኹም.

ሓውኹም፣ እምባ ሶይራ፣
ካናዳ.
- (September, 18. 2012) Read more

ንሕና ኤርትራዊያን መንእሰያት ካብ ዕለት 24-26 ነሓሰ 2012 ኣብ ስቶክሆልም ስጡም ስምረት ብሓዲሽ ሓርነት ብዝብል ቴማ ዝተጋባእና በቲ ከካብ ቦታና ተመያዪጥናን ተዘራሪብናን ናይ ስምረት ሓሳብ ሒዝናዮ ዝመጻእና መሰረት ብምግባር ኩለን ምሕበራት በብወከልተን ኣብ ስቶክሆልም ድሕሪ ምልዛብና ብሓደ ድምጺ ንስጡም ስምረት ምስ ስምረት ኤርትራዉያን ንድሕነት ሃገር ከም ዝወሰና ብውግዒ ዉሳነና ንገልጽ Read more

 

ቤትጽሕፈትፈጻሚአካል EGS-JHD: ንናይ ህግደፍ ቀሻሽን ኣደናጋርን ዝኾነ “ዋዕላ ቁጠባዊ ወፍሪ” እምቢ ንበል!!
Ref: E12-08-071 ጋዜጣዊመግለጺ፤ ቤትጽሕፈትክፍሊሓበሬታንህዝባዊርክባትን ዋሺንግቶንዲሲ
08/07/2012
. Read more

ጋዜጣዊ መግለጺ

 ንምንጻር ግዜ ምግባእ ሃገራዊ ጉባኤ ዝምልከት 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብውሳኔ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ መሰረት ሃገራዊ ጉባኤ ዝጋብኣሉ ግዜ ኣብ መጨርሻ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ክኸውን ምውሳኑ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሉ ምድላዋትን ምቅርራባትን ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ነቲ ብዙሕ ተስፋን ትጽቢትን ተግይርሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ 22-31 ጥቅምቲ 2011 (22 – 31 October, 2011) ኣብ ኢትዮጵያ ክጋባእ ምውሳኑ ንኩሉ ደላይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከብስር ይፈቱ፡፡October, 04.2011, Read more

 

11 ግንቦት 2011 ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስዊ ለውጢ
ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክትዕ ወሪዱ.- ENCDC Addis Abeba Public Meeting About National Congress Papers (Tigringa) 11 Ginbot 2011-07-15 Read more


ፖሎቲካዊ ሽማግለ
ንፖሎቲካዊ ሰነዳት ዝምልከት ሓበሬታ
.-

ብቀዳምነት ፖሎቲካዊ ሽማግለ ህዝብና ኣብቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ዘርኣዮ ዓቢ ተገዳስነትን ምትሕብባርን የመስግን። ብ29/06/2011 ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንምውራድ ዝምልከት ዝተዘርግሐ ምልክታ ብምዝኽኻር፡ ጥቕሙ ንምዕማቕ ነዚ ዝስዕብ ከነረጋግጽ ንፈቱ።

  1. ቅድሚ ዝኾነ ሰነድ ምዝርግሑ ኣፈጻጽማ ጽማቕ በብሓደ ክዝራጋሕ’ዩ። ንሱ ከኣ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ  ሰነድ ሓፈሻዊ ኣንፈቱ ንምንጻርን ሓጺር ስእሊ ንምሃብን ዝሕግዝ’ዩ።

 

  1. ኩሉ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ብቀዳምነት ብክልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ክዝርጋሕ ምዃኑ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብድሕሪኡ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ክስዕብ’ዩ። ትዕዝብቲ ግዱሳት ዜጋታት ዝቕበለሉ ኣድራሻ ኢ-መይል ከኣ እዚ ዝስዕብ (politicalcomm10@gmail.com) ምዃኑ ነረጋግጽ።
  1. ኣብ መጀመርያ ሰነዳት ፖሎቲካዊ ቻርተርን መሪሕ ሓሳብን ክዝርጋሕ’ዩ።

 

  1. ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ሰነዳት ክህልዎም ዝኽእል ትዕዝብቲ ንጽሩን ኣብ ትሕዝቶ ጥራሕ ዝተሞርኮሰን ክኸውን ንምሕጸን።
  1. ንትርጉም ዝምልከት ምናልባት ገለ ጌጋታት ምስ ዘጋጥም ሃገራዊ ኮምሽን ንዕኡ ንምእራም ድልውነቱ እናረጋገጸ፡ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎም ኣሕዋት ምትሕብባሮም ብልቦና ክቕበል ምዃኑ የረጋግጽ።

 

  1. ነፍሲ ወከፍ ሓሳብን ትዕዝብትን ክህብ ዝደሊ ዜጋ፡ ሓሳብ ወትሩ ሓላፍነትን ሓደራን ክሳብ ዝኾነ ብቀጥታ ምእንቲ ርኽብ ንምግባርን ካብ ዓቕምታቱ ንምጥቓምን ምሉእ ስሙን ንጹር ኣድራሽኡን ቁጽሪ ስልኩን  ክጽሕፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሕብር።
  1. ፖሎቲካዊ ሽማግለ ኩሉ ዝመጾ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ብድሕሪ ምግምጋም፡ ንምምዕባል ንድፊ ሰነዳት ክጥቐመሎም ምዃኑ ይሕብር።

 

ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ናብ ኣድማዒ ፍታሕ ንምብጻሕ ሓቀኛ ድሌትን ባህግን ምስ ዝህሉ ወትሩ ሓሳብ ንሓሳብ ምስንናቕ  ናብ ብሱል ዓይነታዊ ትሕዝቶ ዘብጽሕን ንሃገራዊ ዕዮ ንቅድሚ ዝደፋእን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ድማ ነረጋግጽ።

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ዓሊ መሓመድ ስዒድ
ኣቦ መንበር ፖሎቲካዊ ሽማግለ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
07/04/2011
www.encdc.com

 

 

Send mail to Baden-Kunama with questions or comments about this web site.
Last modified: 10/31/09 - 2012