The Kunama is a minority ethnic-group living in the western part of Eritrea.This page exposes the unjust and discriminatory activities of the Eritrean government. It also participates in the political dialogues in Eritrea.

Welcome to  BADEN - Kunama.Com

  Home / Arabic / Tigringa / Feedback

Home
Land
Language
Customs
Beliefs
Folklore
Perspective
Genocide
Report
Information
News
KCS
kpdp
Opinion
Music
Contact
Announcements
Articles
Links

 

All the forces waging wars of „Genocide” against the Kunama people ,aim at disrupting and destroying the Kunama people’s traditional “ethnic identification marks,” their “egalitarian social system” and their traditional system of “commonly owning and administering their native and ancestral land”:


 

 

 

 

ጋዜጣዊ መግለጺ

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

 

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡ መበል ዓሰርተው-ሓደ ስሩዕ ጉባኤኡ፡ ካብ 12-14 መስከረም 2014፡ ኣብ ከተማ  ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን፡ ኣቓኒዑ። ኣብዚ እዋን እዚ፡  ጽላል ሾሞንተ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዙ ዘይዉግን፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንምኽባርን፡ እጃሙ   ንኸወፊ፡ ኣብ 2002 ዝቖመ ፡ ናጻ መርበብ ከኣ ኢዩ።  

መርበብ፡ ኣብዚ ጉባኤኡ፡ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ገምጊሙ፡ ሓያልን  ድኹምን ጎድንታቱ ድሕሪ ምምዛን፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ኣገባብ ስርሓቱ ንምክያድ ወሲኑ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝምድናታቱ፡ ምስ ካልኦት መሓዙት ሲቪካዊ ማሕበራትን ሃገራውያን ዉድባትን፡ ሰፊሕን ክፉትን ዝኾነ ሓባራዊ ስርሓት ንምስላጥ፡ ኣሚሙ።  ካብ ተልእኾኡ ብምብጋስ፡  መርበብ፡ ኣብ ንሃገራዊ ረብሓ ዘገልግል ዲሞክራሲያዊ ቓልሲ፡ ብዕቱብነት ንኽዓይይ ብምትላም፡ መደባት ስራሕ ዓመተ-2015 ሓንጺጹ።

መርበብ፡ ንመሰል ብሄራት ብማዕረ ይጥምት፡። ኣብ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኣምንን የኽብርን። ቕዋማዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ፡ ኣበርክቶ ንምግባር ድልዉነቱ፡ ደጊሙ የረጋግጽ። ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዉድባት፡ ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ ዝኽሰተሉ   ፡ ነቶም  ፍልልያት ንምጽባብ ኣብ ምትሕግጋዝ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናብ ዕርቒ ንምብጻሕ ፡ ናይ ምቕልጣፍ  (catalyst) ሓላፍነት ንኽስከም ይጽዕት። ብጊሓቱ፡ መርበብና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ፡ ዕላማ ኾነ ጥሙሕ ኣይነበሮን፡ ሕጂ እውን የብሉን።

እቲ መርበብ፡ ተራ  በርጌሳዊ ማሕበር ንምጽዋት ኢሉ ብምሕላን፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡ መንበር ሒዙ  ዘሰላሰሎ ንጥፈታት፡ ህርፋን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዝነበሮን፡ ንዕኡ ንምርካብ ከኣ ፡ ኣብ ዉድድር ከም ዝኣተወ ገይሩ  ዝወሰደ፡ ግጉይ  ርድኢት ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ምንባሩ ተገንዚቡ። በዚ ድማ፡ መርበብ ንሕሉፍ ተሞክሮኡ ኣብ ባይቶ፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ይጥምቶ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክጥቀስ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ መትከልን እምንቶን መርበብ፡ መርበብ ኣብ ጸወታ ሰልፋዊ ፖለቲካ (game of party-politics) ኣይኮነን ዝርከብ። የግዳስ፡ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ፖለቲካ (national politics)፡ እሞ ድማ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ህላውነታ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ዝተወደበ ኣሃዱ ይኹን  ዘይተወደበ ዉልቐ-ሰብ፡ ከም ዜጋን  ከም ሰብ-እጃም (Stakeholders)ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዓቕሙ ክሳተፍን ከበርክትን ይግባእ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ምኽኑይነት ንምብራህ፡ መርበብና ኣብቲ ዋዕላ ንኽዋሳእ  ዝቐሰቦ፡ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ የንቆልቁል ብምንባሩን ብምጽንሑን፡ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ከኣ፡ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕጊን፡ ብዘላቶም ዓቕሚ ብሓባር ኮይኖም ክዋስኡ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ኢዩ ኢልና ስለ ዝኣመንናን ሕጂ’ውን ስለ እንኣምንን ኢዩ።  ምስዚ ብዝዛመድ፡ ብዝከኣል መጠን ንኩላቶም ኣብ ግዳም ዘለዉ ዲሞክራሲያዊ ሃገራውያን ሓይልታት ብዘሳትፍ መልክዑ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽኻየድ ካብ ከባቢ 2004 ኣትሒዝና፡ ክንደፍኣሉን ክንቓለሰሉን ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ። ነዚ ድማ፡ ከም ኣገባብ መጨበጢ ፖለቲካዊ ስልጣን ጌርና ጠሚትናዮ ኣይንፈልጥን። ኣይኮነን’ውን። ኣብ 2010 ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክንሳተፍ ዝወሰንናሉ፡ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኽን ሃዉህውን ዝጠለቦ ፡ ብምንባሩ እዉን ኢዩ።  

እምበኣርከስ፡ መርበብ ሕጂውን ካብቲ ቓልሲ ከይተጎናደበ፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብቐጥታዊ ሱታፌ፡ ንኸበርክቶ ኣሚትዎ ዝነበረ ዕማም ንኸሰላስል፡ እቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ስለ ዘይሓገዞ፡ ኣገባብ ኣቐላልስኡ ኣብ ምምዕርራይ ይርከብ።

ክንዲ ዝኾነ፡ መርበብና ፡ ነቲ ክብ ክብል ዝተነጸረ ዕላምኡ ንምጭባጥ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ክንዲ ከምቲ ዝሓለፈ፡  ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ኣብ ካልእ ነታ ሃገር ክጸልዉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ትካላትን መድረኻትን፡ ወንበር ሒዙ ብቐጥታ ዝነጥፍ፡ ኣብኡ ቐዋሚ ቦታ ተዓዛቢ  (Observer status) ረኺቡ ፡ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ከሰጋግርን ከወጥሕን ዝኽእል መናብርን ቦታታትን ከይሓዘ ፡  ናይ ዓራቒ፡ ኣቐራራብን ሃናጽን መዝነት ንምስካም ኢዩ  ወሲኑ።   

ንምጥቕላል፡ መርበብና፡  ነዚ ተሃዋስን  ዘተሓሳስብን  ኩነታት ህዝብና ፡ ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋምን ምምይያጥን ፡ ምስ ኩላተን ሃገራዊያን  ዲሞክራሲያዊያን ሓይልታት፡ ኢድን ጓንትን ብምዃን ፡ ብሓባር ጸሚድና ክንገጥሞ ፡ መጸዋዕታና ነመሓላልፍ።

ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡-

  1. ኤርትራውያን ንፍትሕን ንዲሞክራሲን -  በነሉክስ
  2. ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ንሰብኣዊ መሰላት - ጀርመን
  3. ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም - ጀርመን
  4. ኤርትራዊያን ንሰላምን ዲሞክራስን - ስዊዘርላንድ
  5. ምንቕስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን - ኖርወይ
  6. መቓልሕ ኤርትራ -  ጀርመን
  7. ህዝባዊ ምንቕስቃስ ንዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ - ሽወደን
  8. ማሕበር ስኒት ሰላም - ጀርመን  

 

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!!

 

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ
15 መስከረም 2014
ፍራንክፈርት - ጀርመን

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Send mail to Baden-Kunama with questions or comments about this web site.
Last modified: 10/31/09 - 2014