ARTICLES 2008

Copyright C- 2008  BADEN- KUNAMA.COM. All rights reserved. No material should be copied from this Site for publishing purposes without a clear permission from  the BADEN-KUNAMA.COM   webmaster:- vkp@baden-kunama.com

2008-07-12  Demofrankfort

ሓበሬታ ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን መሳርሒታቱን

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን

 

ንቐዳም ዕለት 12.07.2008 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኪፍጸም ዝተመደበ ካብ መላእ ሃገር ጀርመን ብዝመጹ ውልቀ ሰባትን ኣባላት ኩለን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበራትን ዚሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኪኸውን እዩ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ጭቆናን፡ ወጻኢ ካብ ዓድና ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈቀዶኡ ዝስዕቦም ዘሎ መከራን ጸበባን ብፍላይ ንህዝቢ ጀርመን ብሓፈሻ ድማ ንኣህዛብ ዓለም ንምግላጽ ኣዩቲ ቀንዲ ዓላማኡ።

ቆጸራ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኦስት ባንሆፍ (Ost Bahnhof) ናይ ፍራንክፎርት ክጅምር ተመዲቡ ኣሎ።

ትሕዝቶዚ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍዚ፡ ብጽሑፍ ንምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርትን መንግስቲ ሀሰንን ንናይ ውሽጥን ወጻእን ጉዳያት ሚኒስትሪታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሃገር ጀርመንን ክወሃብ እዩ።

ኵሎም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን መተሓባርቱን ዝቃለሱን ብህዝቦም ዝግደሱን ዘበሉ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ ተረኺቦም አእጃሞም ከበርክቱ ንዕድም።

ኩሎም ተሳተፍቲዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ ኣብ ዝተጠቕሰ ቦታ ብኣጋኡ ክርከቡ ነዘኻኽር።

 

ናይ ሓባር ኣሰናዳዊት ሽማግለ